ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ብኩሎም ርኡይን ትፅቢት ዝግበረሉን ውፅኢት የመዝገቡ ኣለው ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምሕረቱ፡፡
ኣይተ ማሞ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ዝተማልአ ምመሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ምምዝጋብ ዘኽእል ዝበረታታዕ ከይዲ ምምዝጋቡ ኣረዲኦም፡፡
ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝተተሓዘሉ ምውሳኽ እቶት፣ ስግግር ዕዳ፣ ዝተረጋግዐ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ምምፃእ፣ ኣታዊታት ሸርፊ ወፃኢ ምውሳኽን ኢሉ እውን ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ጥዑይ ምግባርን ካልኦት ዕላማታት ካብ ምዕዋት ዕዉት ውፅኢት ምምፅኡ ተዛሪቦም፡፡
ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣፈፃፀሙ ብውፅኢታዊነት ተግባራዊ እናተገበረ ምዃኑ ብምሕባር፤ ብወፃኢ ንግዲ፣ ዕቑር ሸርፊ ወፃኢ፣ ምቅናስል ዋጋታት ንብረትን ከምኡ እውን ካልኦት ዕውታት ውፅኢታት ዝተረኣየሉ እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ፕሮግራም ካብ ዝድግፉ ትካላት ዓለም ለኸ ገንዘብ ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርት ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ዝተተለመሉ ንላዕሊ ምዕዋቱ ምርግጋፁ ሓቢሮም፡፡
እቲ ምምሕያሽ ኢንቨስትመንት ኣብ ምስሓብ ርኡይ ውፅኢት የመዝግብ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ማሞ፤ ኣብ ቀፃሊ ዝተረኸቡ ዓወታት ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ብትኹረት ከምዝሰርሕ ኣረዲኦም፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!