ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ መደመር ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ብዝወሰዶ ስጉምቲ ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ለውጢ ክሊማ ንምፅዋርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ብምጥንኻር መፍረያይነት ሕርሻ ብዝለዓለ ደረጃ ወሲኹ እዩ።
ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ካብ ትምዝግቦ ዘላ ዓብዪ ዕቤት ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር እውን ለውጢ ክሊማ ንምቅላስ ዘኽእል ልዑል ስራሕ ሰሪሓ እያ። እዚ ድማ ንመፍረያይነት ሕርሻ ናይ ምዕባይ ፃዕሪ ይድግፎ ኣሎ።
ቅድሚ ሕዚ እታ ሃገር ካብ ወፃኢ እተእትዎም ዝነበረት ከም ስርናይ፣ ሩዝ፣ ኣሕምልትን ፍረምረን ዝበሉ ፍርያታት ሕርሻ መሰረታዊ ለውጢ ብምምፃእን መፍረያይነት ብምዕባይን ናብ ወፃኢ ክትልእኽ ዝኸኣለትሉ ዓወት ኣመዝጊባ እያ።
ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝተረኽበ ዘደንቕ ውፅኢት ኣብ ኣፍሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ብብርኪ ዓለም ፍሉይ ትኹረት ዝረክብ ኮይኑ፤ ብዙሓት ሃገራት ተመኩሮ ክወስዳ ጀሚረን ኣለዋ።
ብመሰረት ራኢ መንግስቲ መደመር ኣብ ሕርሻ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተመዝገበ ምዕባለ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ሕዚ እውን ትኹረት ተዋሂብዎ ኣሎ። ካብ ምዕባይ መፍረያይነት ብተወሳኺ ናብራ ሕብረተሰብ እውን ትኹረት ረኺቡ ኣሎ።
ትራንስፎርሜሽ ሕርሻ ንምርግጋፅ ኣብ ፍርያት ሕርሻ ዝለዓለ እታወት ብምውሳኽ ነቲ ዓውዲ ብዕዳጋ ዝምራሕ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ። ለውጢ ገፀር ንምርግጋፅ ድማ ኣብ ፀጋታት እቲ ከባቢ ዝተመስረተ ልምዓት ይካየድ ኣሎ።
ሓረስቶት ካብ ፅግዕተኛነት ዝናብ ብምንጋፍ መፍረያይነት ንምዕባይ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ኣሎ። ዘለዉ ኣማራፂታት ማይ ንምጥቃም ኣናእሽቲ ልምዓታት መስኖ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ተግባራት ይካየዱ ኣለዉ። ምስዚ ብምትእስሳር ናብራ ሓረስቶትን ሰበኸ ሳግምን ንምዝማንን ንምምሕያሽን ይስራሕ ኣሎ።
ትራንስፎርሜሽን ገፀር ንምርግጋፅ ስግግር ሕርሻ፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ማሕበራዊ ልምዓትን ብምክያድ መሰረተ ልምዓታታት ብምምላእ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ምዕባይ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብርኪ ኣነባብራ ሕብረተሰብ ገፀር ምምሕያሽ፣ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ምጥንኻር፣ ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅን ካልኦት ዕላማታትን ዝሓዘ ልምዓት ኮሪደር ገፀር፤ ሜላ ኣነባብራ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ኣዘሚኑ ኣሎ።
ከም ሶላርን ባዮጋዝን ዝኣመሰሉ ኣነባብራ ዘቃልሉ ቴክኖሎጂታት ንምጥቃም ዘኽእሉ መሰረተ ልምዓታታት ዝሓቖፉ ሞዴል መንደራት ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ብስፍሓት ምህናፅ ተጀሚሩ ኣሎ።