ምምሕያሽ ኣዋግ መረፃ፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ስነ ምግባርን ኣሳታፊን ዴሞክራሲያዊን መረፃ ንምክያድ ወሳኒ ኢዩ – ብሄራዊ ቦርድ መረፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምምሕያሽ ኣዋግ መረፃ፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ስነ ምግባርን 7ይ ሃገራዊ መረፃ ኣሳታፊ፣ ዴሞክራሲያዊን ግልፂን ብዝኾነ መልክዑ ንምክያድ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሉ፡፡

ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላተወርቅ ሃይሉ ኣብ ቀረባ እዋን ተመሓይሹ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ዝፀደቐ አዋጅ መረፃ ኣመልኪተን ጋዜጣዊ መግለፂ ሂበን።

እቲ ኣዋጅ ቅድሚ ምምሕያሹ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ብምሕባር፥ ን7ይ ሃገራዊ መረፃ ብመንፅር ዘሎ ግዘ ኣብ ውሱናት ዓንቀፃት ጥራሕ መመሓየሺ ተገይሩ ኢዩ ኢለን።

ኣብ እዋን 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝተፈላለዩ ፀገማት ተፈጢሮም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸራ እተን ኣካቢት፥ መሰል ፀገማት ኣብ ዝቕፅል መረፃ ከይፍጠሩ እቲ ነባር ኣዋጅ 1162/2011 ክመሓየሽ ከምዝተገበረ ተዛሪበን።

ኣብ ጣቢያታት መረፃ ዝምደቡ ቁፅሪ ኣፈፀምቲ ዝተገደበ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ኣፈፀምቲ ፅዕንቶ ምፍጣሩ ብምሕባር፥ እቲ ቦርድ ኣብ ጣቢያታት መረፃ ዝህሉ ቁፅሪ መረፅቲን ኩነታትን ብምግንዛብ ከከም ኣድላይነቱ ዝምድበሉ ኩነታት ኣብ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ተኻቲቱ ኢዩ ኢለን።

ሓደ ፓርቲ ሃገራዊ ፓርቲ ኮይኑ ንምምዝጋብ ኣብ ነባር ኣዋጅ ካብ ሓሙሽተ ክልላት ኣባላት ክህልዉዎ ይግባእ ዝብል መለክዒ ኣብ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ናብ ሸውዓተ ክልላት ክብ ክብል ተገይሩ።

እቲ ፓርቲ መሰረት ካብ ዝገበረሉ ክልል 40 ሚኢታዊ ኣባላትን ካብ ካልኦት ሽዱሽተ ክልላት ድማ 60 ሚኢታዊ ኣባላት ክህልዉዎ ከምዝግባእ እውን እቲ ኣዋጅ የገድድ።

ብሓፈሻ ኣብቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ናብ 26 ዓንቀፃት መመሓየሺ ከምዝተበረሎም ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እቲ መመሓየሺ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ዕዉት ንኽኸውን ናይ ባዕሉ ብፅሒት ከምዝፃወት ተሓቢሩ፡፡

ብታሪኩ ለገሰ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment