ምምሕያሽ ደሞዝ ግልግሎት መንግስቲ ውፅኢታዊነት የዕቢ – ምሁራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ.ኤም.ሲ) ምምሕያሽ ደሞዝ ስሉጥን ተበፃሕን ግልግሎት መንግስቲ ንምሃብ የክእል እዩ ኢሎም ምሁራት ቁጠናዊ ሃፍቲ።

ሰብ ሙያ ቁጠባዊ ሃፍቲ ቆስጠንጢኖስ በርሀ (ዶ/ር) ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ምምሕያሽ ደሞዝ ፅዕንቶ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምቅላል ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም፡፡

መንግስቲ ናህሪ ናብራ ብቐጥታ ዝጎድእ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኩነታት ኢኮኖሚ ብምፅናዕ ዝውሃብ ምላሽ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ምምሕያሽ ንማሕበረሰብ ዝህቦ ግልጋሎት ብዝበለፀ ስሉጥ ንምግባር እውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

ምሁር ቁጠባዊ ሃፍቲ ቦጋለ ቦሼ (ዶ/ር) ብግዲኦም ምምሕያሽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ካብ ግዕዝይና ብምውጋድ ስርሖም ብዝበለፀ ንኽፍፅሙ ዘኽእሎም ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ውፅኢት መሰረት ዝገበረ ምምሕያሻት ከምዘድልዩ ሓሮም፡፡

ብሲፈን መኮንን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment