ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣይተ መስፍን ጣሰውን ኣባላት ማኔጅመንትን ብምዃን ኣብ ወሰን ወሓዚ ሩባን ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ዑደት ኣካይደን።

እተን ከንቲባ፥ ብዝተወደበ መገዲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲምና ኢለን።

እቲ ስምምዕነት ብቐንዱ ልምዓት ኮሪደርን ወሰን ሩባን ዝለምዑ ሓደሽቲ ቦታታት ቱሪዝም ናይ ምፍላጥ በዚ ኣቢሉ ተረባሕነት  ስቶክ ኦቨር ቱሪዝም ክብ ምባል፣ ናይታ ከተማ ሓዱሽ መፍለዪ ዝኾነ new face of Africa ምፍላጥ ምዃኑ ሓቢረን።

ብተወሳኺ ምርግጋፅ ድሕንነት ኣቪየሽንን ኣብታ ከተማ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ሰብ ተኮርን ስራሕቲ ብሓባር ምስራሕ ዝጠመተ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment