ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተቐመጡ ሃገራዊ ትልሚታት ንምዕዋት ብትግሃትን ብቖራፅነት ምስርሑ ክቕፅል ኢዩ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ምምሕዳር ከተማ “ኣረኣእያ መንግስቲ መደመር፣ ብራኸ ዘፈራት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ዝተውሃበ ስልጠና ንምትግባር ዘኽእል ዘተ ኣካይድ፡፡
እቲ ዘተ ኣመልኪተን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ከም ምምሕዳር ከተማ ዝተትሓዙ ሸቶታት ንምዕዋት ብጥንኩር ቆራፅነት ኣመራርሓ፣ ብኣምር ፈጠራን ቅልጣፈን እቶም ሸቶታት ንምዕዋት ዝተሰናደአ ዝርዝር ትልሚ ናይ ሓባር ገይርና ኢና ኢለን።
ካብ ሞንጎ ዝተፈለዩ ዋና ዋና ሸቶታት ምዝገባ ብሄራዊ መለለዪ መንነት፣ ስልጠና 5 ሚሊየን ኮደራት፣ ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ኮሪደርን ልምዓት ወሰን ሩባን፣ ንመረፃ ምቹው ኩነታት ምፍጣርን ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስን ሙሉእ ብሙሉእ ምዕዋት ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምንካይ ምኽባር ናብራ፣ ስርቂ፣ ብላዕን ብልሹው ኣሰራርሓን፣ ብመንደርተኝነትን ከባቢዊነት ምሕሳብን ብትኹረት ምስራሕ ከምኡ እውን ተፀባይነት ምንካይ፣ ተሓጋዛይነትን ልመናን ምውጋድ፣ ዘይሕጋዊ ወረራ መሬት ምክልኻል ቀፀልቲ ኣንፈታት ትኹረት ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡
እዞም ሸቶታት ንምዕዋት ከምቲ ልሙድ ትውልዲን ትካልን ኣብ ምህናፅ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብትግሃትን ቆራፅነትን ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፀን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!