ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘህነፆ ኩለ መዳይ ተተካኢ ህንፃ ንኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽኒያት ልምዓት ኮሪደርን እርጋንን ብዝፈረሰ ህንፃ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ መተካእታ ሓዱሽ ኩለ መዳይ ህንፃ ብምህናፅ  ኣረኪቡ።

እቲ ኩለ መዳይ ህንፃ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ከባቢ ፒያሳ ብተለምዶ ቤት ሙዚቃ መሃሙድ ብዝብል ኣብ ዘፍለጥ ትሕዝቶ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝተሃነፀ ኢዩ።

ብባጀት ምምሕዳር እታ ከተማ ደረጅኡ ብዝሓለወ መገዲ ተሃኒፁ ሎሚ ዝተመረቐ ህንፃ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተሃኒፁ ምዝዛሙ ተገሊፁ።

ኣብ ስነ ስርዓት ርኽክብን ምርቓትን ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፣ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ብፁኣን ሊቃነ ጳጳሳትን ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ከተማን ተረኺቦም።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment