ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምራቕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሳለጡ ሰልፍታት ድጋፍን ታሕጓስን ዝተመሓላለፉ መልእኽቲታት፦
- ግድብ ህዳሰ ምልክት ምብራኽ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ቅኑዕ እዋን ዝተሃነፀ ዘበን ተሳጋሪ ቅርሲ ኢዩ
- ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መሰረት ህብረ ብሄራዊነትናን ሓድነትናን፣ ግዳማዊ ፅዕንቶ ዘይበደሆ ኣብ ኢትዮጵያዊ ሓድነት ደው ዝበለ ግድብ
- ግድብ ህዳሰ መርኣያ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኢዩ፤ እቲ ግድብ ጠንካራ ኣመራርሓ መንግስቲ ወሃብነትን ውፅኢት ሕብረትን ኦዩ
- ግድብ ህዳሰ ዘይከኣል ክኢልና ዘርኣናሉ ኢዩ፤ ኣብቲ ግድብ ዘርኣናዮ ሓድነት ኣብ ካልኦት ፕሮጀክትታት ልምዓት ክንደግም ኢና።
- ግድብና ብኢትዮጵያዊነት ሕብረት ፀኒዑ ደው ዝበለ ኒሻን ሰዓራይነት ኢዩ
- ብሕብረት ክኢልና ሰሪሕና ኣርኢና
- ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ኣክሊል ሰዓራይነት ምንባር ኢዩ
- ግድብ ህዳሰ ማንነትናን ብሄራዊ ኣርማናን ኢዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!