ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምራቕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ዓወት ካብ ምርኣዩ ብተወሳኺ እዋን ምብራኽ ኢትዮጵያ ዘረጋገፀ ኢዩ ኢሎም ምሁራን።
ዳይሬክተር ሳይንቲፊክ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ሙሉነህ ለማ (ዶ/ር)፥ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መግለፂ ፅንዓት፣ ሓድነትን ኣይንብርከኽን በሃልነትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብዘይ ምንም ኣፈላላይ ገንዘቦም፣ ሃፍቶምን ፈልጠቶምን ንህንፀት እቲ ግድብ ምውዓሎም ኣዘኻኺሮም።
ሓላፍን መምህርን ክፍሊ ስቪል ምህንድስና ዩንቨርስቲ ወላይታ ሶዶ በረከት ነፃነት ብግደኦም፥ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብዓወት ምኽንባት ምኽኣል ኣብ ቀፃሊ ተመሳሰልቲ ፕሮጀክትታት ንምህናፅ በሪ ዝኸፈት ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ሽግግር ፍልጠትን ልውውጥ ልምዲን ብምርካቡ ንካልኦት ስራሕቲ ብተመክሮነት ከምዝውሰድ እውን ተዛሪቦም።
ብኣስጨናቂ ጉዱ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!