ምርግጋፅ ፅርየት ቡን  ንዕብየት ሸርፊ ወፃኢ…

ኣዲስ አበባ፣ 19 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ ቡንን ሻሀን ኢትዮጵያ ዲላ ስራሕቲ ማእኸል ምርምርን ሰርቲፊኬሽንን ፅርየት ፍሪያት ቡን ኣጀሚሩ።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓባባሪ ክላስተር ዲላን ሓላፊ ቢሮ ግብርናን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ መሪሁን ፍቅሩ(ዶ/ር)፥ ንፅርየት ፍሪያት ቡን ጠመተ ብምሃብ እቲ ፍሪያት ክብ ክብል ምግባር ናይ ኣፍራዪ ግቡእ ኢዩ ኢሎም።

ፅርየት ቡን  ብምርግጋፅ  ሸርፊ ወፃኢ እዛ ሃገር ከብ ምባል ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ዳይሬክተር በዓል መዚ ቡንን ቅመማ ቅመምን እቲ ክልል ጴጥሮስ ወልደማሪያም ብግደኦም፥ ሽፋን ቡን እቲ ክልል 235 ሺሕ ሄክታር ከምዘበፅሐ ገሊፆም።

ናይቲ ማእኸል ምጥያሽ ኣብ ፅርየት ልዑል ለውጢ ዘምፅእ ኢዩ ኢሎም።

ብማቱሳላ ማቴዎስ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment