ምስማዕ ንዝተስኣኖም ዜጋታት ስልጠና መንጃ ፍቓድ ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ ኣሽከርካሪን ተሸከርካሪን ኣዲስ ኣበባ ምስማዕ ንዝተስኣኖም ዜጋታት ስልጠና መንጃ ፍቓድ ምሽክርካር ምሃብ ኣጀሚሩ።

ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ በዓል መዚ ደሳለኝ ተረፈ (ኢ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ናይ ነዊሕ እዋን ሕቶታት ፍትሓውነት ኣገልግሎት ንምምላስ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ፀኒሑ፡፡

ሰልጠንቲ እውን ናይ ምሽክርካር ፍቓድ ንኽወሃቦም ንነዊሕ ዓመታት እናሓተቱ ከምዝፀንሑ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እምበር ትኹረት እንተይተውሃቦም ከምዝፀንሐ ኣልዒሎም፡፡

ሰልጠንቲ ናይ ክእለትን ስነ ባህሪን ስልጠናኦም ብዝተቐመጠ ደረጃ መሰረት ብምውሳድ ብቑዕን ምስጉንን ኣሽከርካሪ ንምዃን እቲ ስልጠና ብትኹረት ከምዝከታተሉ ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment