ምስ ሞያተኛታት ኪነ ጥበብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኩለ መዳያዊ ለውጢታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዕና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስ ሞያተኛታት ኪነ ጥበብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኩለ መዳያዊ ለውጢታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዕና ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ ሃገርን ጥበብን ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከተማዊ መዛዘሚ መድረኽ ሞያተኛታት ኪነ ጥበብ ተሳሊጡ።

ከንቲባ ኣዳነች፥ ኪነ ጥበብ ንህንፀት ሃገርን ትውልዲን  ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ልዑል ኢዩ ኢለን።

እቲ መድረኽ ሞያተኛታት ኪነ ጥበብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየዱ ስራሕቲ ለውጢ ዝህልዎም ተሳትፎ ክብ ንምባል ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምስ ሞያተኛታት ኪነ ጥበብ ብምዃን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኩለ መዳያዊ ለውጢ ብምትሕብባርን ምውዳድን ንምስራሕ ምርድዳእ ከምዝተገበረ ሓላፊ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ሚኤሳ ኤሌማ (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment