ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስ ተሓከምቲ ቫይረስ ማርበርግ ምንኽኻእ ዝነበሮም 349 ሰባት ተፈልዮም ክትትል እናተገበረሎም ይርከብ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ።
እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝበለኦ፥ ክሳብ ሕዚ ምርመራ ቫይረስ ማርበርግ ካብ ዝተገበረሎም 73 ሰባት 11 እቲ ቫይረስ ተረኺበዎም።
በቲ ቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ሽዱሽተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ሓሙሽ ድማ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብን ኣብሪሆም፡፡
ምስ ተሓከምቲ ቫይረስ ማርበርግ ምንኽኻእ ዝነበሮም 349 ሰባት ተፈልዮም ክትትል እናተገበረሎም እንትኸውን÷ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 119 ሰባት ናፃ ምዃኖም ተረጋጊፁ ካብ ማእኸል ከምዝወፅኡ ሓቢሮም።
ቫይረስ ማርበርግ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብሄራዊ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ጤና ዋና ዳይሬከተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶ/ር መሳይ ሃይሉ ብግደኦም፥ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ምሽ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡
ኣብ ኬላታት ዝግበር ቁፅፅር ምጥንኻር፣ ስራሕቲ ኣለሻ ምስፋሕን ንሕብረተሰብ ግንዛበ ኣብ ምሃብን ትኹረት ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሀን፡፡
ማሕበረሰብ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝወሃቡ መምርሒታት ጥንቃቐ ብምትግባርን ጥቆማ ብምሃብን ሓላፊነቱ ንኽዋፃእ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!