ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስ ውስንነት ዕቤት ኣእምሮ ዝውለዱ ህፃናት ዝከናኸኑ ትካላት ምስፋሕ ይግባእ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፡፡
ፋውንዴሽን ዲቦራ ዓለም ለኸ መዓልቲ ዳውን ሲንድረም “ብሕትነት ብሓባር ንዋጋእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ን6ይ ግዘ ሎሚ መዓልቲ ኣኽቢሩ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን÷ ምስ ውስነንት ዕቤት ኣእምሮ ዝውለዱ ህፃናት ዝከናኸኑ ትካላት ምሕጋዝን ምጥንኻርን ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂበን፡፡
ዜጋታት ኣብ መሰል ፀገም ጥዕና ተሓተትቲ ዝኾኑ ህፃናትን ስድራቤታትን ዘለዎም ሕብረትን ምሕዝነትን ከርእዩ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ንፋውዴሽን ዲቦራ ብምሕጋዝ ልዑል ግደ ንዝተፃወቱ መዳርግቲ ኣካላት መርሃ ግብሪ ምስጋናን ኣፍልጦን ተኻይዱ፡፡
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን እውን ኣብ ዘፈር ሚዲያ ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ተበርኪቱሉ።
ብጀማል ኣሕመድ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!