ምስ ጎና ጎኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ርክብ ዘጠናኽሩ ዘተታት ተኻይዶም- ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምስ ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘተ ብምክያድ ዘሎ ምትሕብባር ዘጠናኽሩ ዘተታት ተኻይዶም ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዴዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ መበል 17 ጉባኤ ብሪክስ ኣብ ብራዚል ዝነበሮም ፃንሒት ብዝምልከት ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) መብራህርሂ ሂቦም፡፡

ኣብ መብራህርሂኦም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ጎና ጎኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ርክብ ዘጠናኽሩ ዘተታት ምክያዶም ኣረዲኦም፡፡

ኣብቲ ዘተ ምስተን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ርክብን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ዘለዋ ቅዋም ድልየትን ተረዲኦም ክሕግዙ ንምርድዳእ ፅቡቕ ዕድል ምፍጣሩ ተዛሪቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ደ ሲልቫ ናይታ ሃገር ምትሕብባር ንምጥንኻር ምዝታዮም ብምሕባር÷ ብፍላይ ድማ ኣብ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ምዕባይ ኣብ ዝኽኣልሎም ጉዳያት ዘቲና ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያን ዞባዊ ዘሎ ህልው ኩነታት፣ ኣንፈትን ፖሊሲን ብግቡእ ንክርድኡ ብምግባር ፅቡቕ ዕድል ከምዝፈጠረ እውን ኣረዲኦም።

ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ኪያንግ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ÷ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዝተፈጠረ ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምዕባይ ዝሕግዙ መንገድታት ከምዝዘተዩ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ቻይና ኣብ ኢኮኖሚ ውሽጢ ዘለዋ እወንታዊ ግደ እተጠናኽረሉን ኣብ ማዕቀፍ ክለብ ፓሪስ ሽግሽግ ዕዳ ንኢትዮጵያ ንክኾን ዘካየደቶ ልዑል እጃም ኣብ ዝጠናኸረሉ ኣግባብ ዘትዮም።

ሊ ኪያንግ ብግዲኦም÷ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና እትሰዶ ፍርያት ቡን ብልዑል ኩነታት እናወሰኸ ምምፅኡ ምግላፆም ጌዲዮን (ዶ/ር) ኣረዲኦም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከምዝተማኸሩ ገሊፆም።

ሲሪል ራማፎሳ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ልዑል ግደ ከምዝተፃወቱ ኣረዲኦም፤ እቲ ግድብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፅሖ ብርኪን፣ምዝዛሙን ብዝምልከትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ዘትዮም ኢሎም፡፡

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment