ምትሕብባር ምሕደራ ጉምሩኽ ኢትዮ-ቻይና…

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምሕደራ ጉምሩኽ ኢትዮጵያን ቻይናን ትካላዊ ህንፀት ዓቕሚ፣ ልምዓት ትካልን ስሉጥ ኣገልግሎት ጉምሩኽን ምሃብ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘተ ኣካይዶም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ደበሌ ቃበታ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ምሕደራ ጉምሩኽ ቻይና ዋንግ ጁን ተዛቲዮም።

ኮሚሽነር ደበሌ ቃበታ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ምትሕብባር ምሕደራ ጉምሩኽ ዝፀንሐ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር ኢዩ።

ልህቀት ምሕደራ ጉምሩኽ ንምፅንኻር ምስ ቻይና ምስራሕና ብዝበለፀ ውፅኢት ክነምፅእ ይሕግዘና ኢሎም።

ሚኒስትር ዴኤታ ምሕደራ ጉምሩኽ ቻይና ዋንግ ጁን ብግደኦም፤ ንሪፎርም ምሕደራ ጉሙርሩኽ ኢትዮጵያ ሃገሮም ልምዳ ንምክፋል ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ብዙፋን ኣምባቸው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment