ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ብሕልፈት ህይወት ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ብሕልፈት ህይወት ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓዘን፥ ብዝሰርሖ ኩሉ ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያያንን ከምዝወገነ ዝነበረ ኣድባር ኪነ ጥበብ ሃገርና ደበበ እሸቱ ምዕራፉ ዝተሰመዐኒ ሓዘን ዓምዩቕ ኢዩ ኢሎም።

ናቱ ውግንና ኩሉ ግዘ ንኢትዮጵያ ኮይኑ ንምዝላቕ ኣብ ዘበን ኩሉ ናይ ጥበብ ኣሰራቱ ናይ ተግባሩ ህያው ምስክራት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ኣርቲስት ደበበ ካብ መንእሰይነት ክሳብ ሕልፈት ንኢትዮጵያን ንኪነ ጥበብን ዝፀዓረ፣ ካብ ስርሑ ሞት ዝፈለዮ ብርቱዕ ሰብ ኢዩ እውን ኢሎም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment