ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ልዑል መስመር ንግዲ ዝኾነ ህንፀት ስሉጥ መገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ኣጀሚሮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ስሉጥ መገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ መንግስቲ ዓውዲ ትራንስፖርት ዘበናዊ ንምግባር ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።
በቲ ስሉጥ መገዲ ንዓዲ ውሽጢ ዓበይቲ ዕድላት ዕዳጋ ብምፍጣር ንግዲን ኢኮኖሚን ክብ ካብ ምባል ብተወሳኺ ቀጣናዊ ሸቶታት ናፃ ዕዳጋ ኣብ ምዕዋት ዘለዎ ግደ ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን፣ ከተማ ድሬዳዋ ዘተኣሳሳር እንትኸውን፥ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ዝተትሓዘ ራእይ ዕላዊ ይኸውን ከምዘሎ ዘርእይ ወሳኒ ኣካል ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!