ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ኢሬቻ ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ኢሬቻ ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢሬቻ መዓልቲ ምስጋና ኢዩ፤ ብዝበለፀ መሬት ብዝናብ ዘፅገበ ፈጣሪ ብምስጋና ዝዝከረሉ በዓል ኢዩ ኢሎም።

ህዝቢ ኦሮሞ ኣብዚ ውቁብን ሙሉእ ተስፋ ዘለዎን እዋን ናይ ክራማት ኣፀጋሚ እዋን ኣሕሊፉ ብኹለ መዳይ ናብ ዝሓሸ ብርሃን ንዘሸጋገሮ ፈጣሪ ኣብ ኣደባባይ ብምውፃእ ምስጋና የቕርብ ኢሎም ገሊፆም።

ዝሓለፈ ዘበን ዓፅዩ ሓዱሽ ዘበን ይጅመረሉ ብምባል፥ ናይ ምስጋና ዘበን ንክሃንፅ፣ ሀብረ ብሄራዊ ሓድነት ንክፀንዕ፣ ኢትዮጵያ ምስ ኩሉ-ብኹሉ-ንኹሉ ንክትከውን  ኢሬቻ ሓደ ክብሪ ኢዩ ኢሎም።

 

Comments (0)
Add Comment