ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ንተኸተልቲ እምነት እስልምና ሰራሕተኛታቱ ኣብ ዘሰናደኦ መርሃ ግብሪ ኣፍጥር ተሳቲፎም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ኣብዱልከሪም ሼኽ በድረዲን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ስነ ስርዓት ኣፍጥር ምርካቦም ብዝተፈለየ ክብሪ ከምዝምልከቱዎ ገሊፆም።
ኩሉ ዜጋ ንሰላምን ልምዓት ሃገርን ብሓባር ክሰርሕ ይግባልእ ዝነሉ እቶም ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት÷ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ልምዓት ንምቕፃል ኩሉ ብሓባር ንኽሰር ፀዊዖም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ሓዊሱ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተኸተልቲ እምነት እስልምና ሰራሕተኛታትት እቲ ትካልን ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!