ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዞባ ጋሞ ብሰንኪ ምግህማስ መሬት ዘስዓቦ ጉድኣት ሓዘኖም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ጋሞ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ምግህማስ መሬትን ውሕጅን ዘስዓቦ ጉድኣት ሓዘኖም ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዐኒ ልባዊ ሓዘን ክገልፅ እፈቱ ኢሎም።
ብሓደጋ ጉድኣት ዝበፅም ጉድኣት ንዝበፅሖም ቤተሰብን ኣዝማድን ምፅንዕናዕ ተመንዮም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ንምሕዋይን ግዳያት እቲ ሓደጋ ንምሕጋዝን ኣድላዩ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment