ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ መበል 1 ሺሕን 447 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ዒድ ኣል ፈጥር ብምትሕብባር ብርሃን ሓጎስ ዝንፀባረቐሉን ህይወት ብሰናይ ትደምቀሉን ዓብዪ ዕለት ኢዩ ኢሎም።
ወርሒ ረመዳን ካብ እምነት ሓሊፉ ኢትዮጵያዊ ሓድነት ብተግባር ዘርአየ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፥ እቲ ፆም ክንተሓሳሰብ ገይሩና፥ ሶላት ኣቀራሪቡና፥ ኢፍጣር ኣብ ሓደ መኣዲ እናተኣኻኸበና ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም፡፡
ንኹ ወዲ ሰብ ጠቐምቲ ዝኾኑ ክብሪታት ዒድ ኣል ፈጥር ንህንፀት ሃገር ኣድለይቲ ምዃኖም ብምግላፅ፥ ኣብ እዋን ዓብዪ ፆም ረመዳን ዝተጀመረ ሕብረትን ምትሕዝዛንን ክቕፅል ይግባእ ኢሎም፡፡
ጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ዘላቒን ዜጋታት ፍትሓዊ ተጠቀምቲን ንኽገብር ኩልና ንሃገርና እንብሎ ክንገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡