ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምውዛዕ ደረጀኦም ዘይሓለዉን ተመሳሲሎም ዝፈረዩን ኣፋውስ ኣብ ምክልኻል ዝተጠናኸረ ሽርክና መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ።
ኣብ ኢትዮጵያ ምውዛዕ ደረጀኦም ዘይሓለዉ ፍሪያታት ኣፋውስ ንምክልኻል ዝተሰናደአ ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ዕላዊ ኮይኑ።
ዶ/ር መቅደስ፥ መንግስቲ ምስ ህዝብን መዳርግቲ ኣካላትን ብምዃ ብመሰረት ዘካየዶም ተግባራት ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ኣገልግሎት ጥዕና ዘዕገብ ውፅኢታት ተመዝጊቡ ኢዩ ኢለን።
ሕማም ካብ ምክልካል ብተወሳኺ ሓኪምካ ኣብ ምድሓን ጠመተ ዝገበረ ሓዱሽ ፖሊሲ ጥዕና ናብ ትግበራ ብምእታው ለውጢ የምፅእ ከምዘሎ ተዛሪበን።
ሰንሰለት ቀረብ መድሃኒት እናማዕበለን እናሰፍሐን እኳ እንተኾነ፥ ድሕንነትን ምፍዋስን ዝጎደሎም ኣፋውስ ኣብ ዕዳጋ ንከይቐርቡ ናይ ምክልኻል፣ ምፍላይን ምሃብን ስርዓት ምጥንኻር ልዑል ጠመተ ዝደሊ ከምዝኾነ ገሊፀን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!