ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምዕራፍ ዘተ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ትካላት ፌዴራልን ማሕበራትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡
ነቲ ምዕራፍ ዘተ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብመደረ ዝኸፈቱ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)÷ ፀገማትና ንኽፍጠሩ መሰረት ዝኾኑ ማሕለኻታት ብሓባር ተዘራሪብካ ምእላሽ ብዘይምኽኣሉ ናይ ዘይምርድዳእ ፀገማት እንተይተፈትሑ ዓመታትን ተሳጊሮም ኢሎም።
ተሳተፍቲ ድኽነትን ድሕረትን ንምስዓር እናተቃለሰት ትርከብ ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ ሰላም ንምንባር ዝረኣዩ ዘይምርድዳኣት ብዘተ ንምፍታሕ ዘኽእሉ ሃነፅቲ ሓሳባት ምውፃእ ከምዝግበኦም ኣመልኪቶም።
“ሃገራዊ ዘተ ተሓንፂፁ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነበሩ ተሞክሮታት እንተይተረፈ ብምውሳኽ ዕዉት ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ” ኢሎም።
ብምዃኑ ድማ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከቡን ኣብቲ ዘተ ዘይተሳተፉን ሓይሊታት ሓዊሱ ኣብ ሓበራዊ ሓሳብ ዝፀንዐ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ግደኦም ንኽዋፅኡ ፀዊዖም፡፡
ድሕሪ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ምዕራፍ ዘተ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ትካላት ፌዴራልን ማሕበራትን ኣብ ዝተረፈ ክልል ትግራይ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡
ብይስማው ኣደራው