ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምህናፅ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዓወት ብልፅግና ዘይተርፍ ምዃኑ ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ መተሓባበሪ ክላስተር ዲላ መሪሁን ፍቅሩ (ዶ/ር)።
ምዝዛም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ስዒቡ ኣብ ከተማ ዲላ ህዝባዊ ደገፍን መግለፂ ሓጎስን ሰልፊ ተኻይዱ።
ኣይተ መሪሁን ፍቅሩ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዓወት ኢትዮጱያ ጉዕዞ ብራኸ መርኣያ እዩ፡፡
ብተወሳኺ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዓቕሙ ዝተረኣየሉን ካብ ዑደት ድኽነት ብምውፃእ ኢትዮጵያ ዓወት ብልፅግና ዘይተርፍ ምዃኑ ኣረጋጊፂ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ሓጎስ ንኹላትና እዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ነዙይ ዓወት ንምብቃዕ እንኳዕ ደስ በለኹም ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!