ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምዝዛም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ ሰልፊ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ሰልፊ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማን ፌደራልን ተረኺቦም።
ኣብ መስቀል ኣደባባይ እናተኻየደ ዘሎ ህዝባዊ ሰልፊ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣብ ኣደባባይ መስቀል ተኣኪቦም ሓጎስ እናገለፁ ይርከቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!