ምድላው ጎስጓስ ምረፁኒ ፓርቲታት ብልፅግናን ኢዜማን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ  ብልፅግናን ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)ን ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ምድላው ጎስጓስ ምረፁኒ ገይርና ኢሎም።

ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩ ፃንሒት ከምዝበሉዎ÷ እቲ ፓርቲ ንጎስጓስ ምረፁኒ እኹል ምድላው ገይሩ ኢዩ።

ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢ ፓርቲ ኢዜማ እዩኤል ሰለሞን ብግደኦም÷ ከይዲታት መረፃ ጥራሕ ዝምልከት ርእሱ ዝኸኣለ ግብረ ሓይሊ ከምዝተጣየሸ ተዛሪቦም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ማኒፌስቶ እቲ ፓርቲ ምፍላጥ ሓዊሱ ወፍሪታት ጎስጓስ መረፃ ኣብ ዝተቐመጠሎም ግዘ ሰሌዳ ተበፃሒ ንኽኸውን ዝሰርሕ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ኣብ ቀፃሊ ንምስራሕ ዝሓሰቡዎም ትልሚታት ኣብ ዝገብሩዎም ወፍሪታት ጎስጓስ ምረፁኒ ንምፍላጥ ከምዝሰርሑ እውን ኣመልኪቶም።

ብዙፋን ካሳሁን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment