ምድረ ገነት ሽረን ወላይታ ድቻን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 9ይ ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምድረ ገነት ሽረን ወላይታ ድቻን 1 ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ቀትሪ 9 ሰዓት ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ንምድረ ገነት ሽረ ሽመክት ጉግሳ (ብፍፁም ቅላዕ) ሸቶ እንተመዝግብ÷ ንወላይታ ድቻ ማዕረ ዝገበረት ሸቶ ድማ ኣዛርያስ ኣቤል ኣመዝጊቡዋ፡፡

ምድረ ገነት ሽረ ኣብቲ ሊግ ድሕሪ ክልተ ተኸታተልቲ ዓወታት ማዕረ እንትትፈላለ÷ ወላይታ ድቻ ተኸታታሊ 2ይ ማዕረ ውፅኢት ኣመዝጊባ፡፡

ብኻሊእ ፀወታ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኢትዮጵያ መድን ንኢትዮ ኤሌክትሪክ 1 ን 0 እናመርሐት ዕረፍቲ ወፂኣ ኣላ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment