ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝወሃብ ኣገልግሎት ምገባ ንተምሃሮ ኣእምሮኣአዊን ኣካላዊን ዕቤት ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ ኢሉ ኤጀንሲ ምገባ እቲ ምምሕዳር ከተማ፡፡
ም/ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ስንታየሁ ማሞ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ሸገር ሲቲን ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 800 ኣቢያተ ትምህርቲ ኣገልግሎት ምገባ እናተውሃበ ይርከብ፡፡
በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 976 ሺሕን 700 ተምሃሮ ኣገልግሎት ምገባ ቤት ትምህርቲ ተጠቀምቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም፡፡
በቲ መርሃ ግብሪ ንተምሃሮ ዝተመጣጠኑ ምግቢታት ብምቕራብ ኣእምሮኣዊን ኣካላዊ ዕቤቶም ዝሐሸ ንኽኸውን ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡
ብኻሊእ መዳይ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንተምሃሮ ዩኒፎርምን ካልኦት እታወታት መምሀሪ ናውቲን ተበፃሒ ከምዝገበረ ኣመልኪቶም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!