ምጣነ ተወሳኺ እሴት ታክስ 15 ሚኢታዊ ኮይኑ ንኽቕፅል ተወሲኑ – ሚኒስቴር ገንዘብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ገንዘብ ብመሰረት መመሓየሺ ኣዋጅ ተወሳኺ እሴት ምጣነ ተወሳኺ እሴት ታክስ 15 ሚኢታዊ ኮይኑ ንኽቕፅል ተወሲኑ  ኢሉ፡፡

ነባር ኣዋጅ ተወሳኺ እሴት ታክስ ካብ ምጣነ ወፃእ ካልኦት መመሓየሺታት ብምክታት ድሕሪ ልዕሊ 3 ዓስርተ ዓማውቲ ተመሓይሹ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ኣታዊ ታክስ ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ካብ ዝነበሮ ልዕሊ 12 ሚኢታዊ ብፅሒት በቢዓመቱ ብተኸታታሊ እናነከየ ትሕቲ 7 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ብምፅራሕ፥ ካብዚ ሓፈሻዊ ምንካይ 44 ሚኢታዊ ተወሳኺ እሴት ታክስ ብፅሒት ከምዝኾነ ኣመልኪቱ፡፡

ሕጊ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሕዚ ካብ ዘለዎ ኩነታት ኢኮኖሚ ምስ ቀፀልቲ ዓመታት ለውጢታት ክጠዓዓም ብምግባር ብመሰረት ስትራቴጂ ኣታዊ ማእኸላይ ዘበን ተመሓይሹ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ተገይሩ ኣሎ ኢሉ፡፡

ብመሰረት እቲ መመሓየሺ ኣብ ኣዋጅ መመሓየሺ ተወሳኺ እሴት ታክስ ምጣነ ተወሳኺ እሴት ታክስ 15 ሚኢታዊ ኮይኑ ክቕፅል ከምዝሰነ ኢዩ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ ዘሎ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment