ምፍጣር፣ ምቕልጣፍን ብፅሬት ምስራሕን ናይ ኩሉ እዋን መምርሒ ስራሕ ክኸውን ይግባእ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምፍጣር፣ ምቕልጣፍን ብፅሬት ምስራሕን ናይ ኩሉ እዋን መምርሒ ስራሕ ክኸውን ይግባእ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት መገጣጠሚ መኪና ከምኡ እውም መፍረዪ ብርጭቆን ጠርሙስን ከምዝተዓዘቡ ተዛሪቦም፡፡

ፋብሪካታት እታወት ውሽጢ ሃገር ብምጥቃምን ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታትን ብምትካእ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ እናድሐኑ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

ካብ ብየዳ ጀሚሩ ዓበይቲ ናይ ኤሌትሪክ ኣውቶቡሳት እናገጣጠመ ዝርከብ መገጣጠሚ መኪና ፊቤላ ኢንዱስትሪያል ኣብ መዓልቲ 12 መኪና ከፍሪ ዝኽእል ዓሚቕ ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም፡፡

እቲ መገጣጠሚ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጀመሮ ሓዱሽ መቕብኢ ቀለም ብዙሕ መዓልቲ ይወስድ ዝነበረ ስራሕ ኣብ ሰዓታት ንምውጋን ዘኽእ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓደ መዓልቲ 450 ሺሕን ጠርሙስ ዘፍሪ መፍረዪ ብርጭቆን ጥርሙዝ ዴዴ ቦትል ከምዝጎብነዩ ገሊፆም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment