ሞስኮ ዝኣተው ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፍሉይ ልኡኽ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍ ብዛዕባ ኩናት ሩስያን ዩክሬንን ንምዝታይ ናብ ሞስኮ ኣትዩም።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሞስኮ ቩንኮቮ እንትበፅሑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ሩሲያ ኪሪል ዲሚትሪቭ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ዊትኮፍ ኣብ ፃንሒቶም ኩናት ሩስያን ዩክሬንን ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ንምምፃእ ዝዓለመ ዘተ ካካየድ ትፅቢት ይግበር።

ውሃቢ ቃል ክሬምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ንፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍ ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ገፅ ንገፅ ክዛተዩ ከምዝኽእሉ ሓበሬታ ምሃቦም ፀብፃብ ኣር ቲ ኣረዲኡ፡፡

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኔቶ ማቲው ዊትከር ዑደት ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ ኩናት ሩስያን ዩክሬንን ንምቁራፅ ከምዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ሩስያን ዩክሬንን ናብ ስምምዕ ንክመፁ ፃዕሪ እናካየዱ እንትኾን፤ ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕነት ብሳልሳይ ዙር ድርድር ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝተካየደ ዘተ ግደ እቶም ፕሬዚዳንት ልዑል ከምዝነበረ ይዝኸር፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment