ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓት ጫልቱ ሳኒ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ሞዴል መንደር ቱሉ ኣራራ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ተግባራዊ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ክረምታዊ ወለንታ ናብ ዝነዓለ ብራኸ እናሰጋገረ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዋደደ ሞዴል መንደር ቱሉ ኣራራ ብዕሊ ምምራቖም ይዝከር፡፡
እቲ ዝተዋደደ ሞዴል መንደር 35 መራሕቲ ስድራ ዝሓዘ እንትኸውን፥ ልምዓት ገፀርን ከተማን ብምውዳድ ናብራ ሕብረተሰብ ንምምሕያሽ ተሓሲቡ ዝተሃነፀ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን፡፡
ኣብ ሞዴል መንደር ቱሉ ኣራራ ዝነብሩ ነበርቲ ኣሕምልቲ ገደና ንኸልምዑን ኣብ መዓልቲ ካብ 15 ክሳብ 20 ሊትሮ ፀባ ክህባ ዝኽእላ ኣላሕም ከርብሑን በምምችቻው ሕርሻ ከተማ ተግባራዊ ተተገይሩ ኢዩ ኢለን፡፡
ዜጋታት ብምትሕብባርን ወፃኢ ብዝቑጥብን መልክዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዓቕመ ደካማታትን ጉዱኣት ኣካል ዜጋታትን ተጠቀምቲ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ ኢለንል፡፡
ብነፃነት ፀጋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!