ሩሲያን ኢራንን ኣብ ልምዓት ሳተላይት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሩሲያን ኢራንን ኣብ ልምዓት ሳተላይት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሩሲያ ካዚም ጃላሊ ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ጠፈር ሩሲያ ዲሜትሪ ባካኖቭ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ከልቲአን ሃገራት ዲዛይናት ሳተላይት ብምትሕብባር ንምቕራፅ ከምኡውን መሰረተ ልምዓታት ምርምር ጠፈር ምዝርጋሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚቦም።

ብተወሳኺ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ሳይንስ ህዋ ብሓባር ምፍራይ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ምዝታዮም ስፑትኒክ ፀብፂቡ።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment