ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣመራርሓን ኣባላትን ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ሪዞርት ሃላላ ኬላ ታሪኻዊን ዘበናዊ ጥበብ ህንፀትን ዝተኣሳሰሩሉ ዘደንቕ ዓለም ለኸ መስሕብ ኢዩ ኢሎም።
11 ሰነ 2017 ዓ.ም ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጉዳያት ጠሚቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተዛተዩ ኣመራርሓን ኣባላትን ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ኢኮ-ቱሪዝም ሃላላ ኬላ ሪዞርትን መፈልፈሊ ጣቢያ ሓይሊ ኤሌትሪክ ጊቤ-3ን ዑደት ገይሮም።
ኣብ ዋባ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ባህሊ ዴሞክራሲያዊን ጉዳያት መረፃን ኣሸብር ታደሰ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፥ ፅባሕ ሃገራዊ ለውጢ ምስ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ብቕርበት ምስራሕ ዝከኣለሉ ኣዲስ ባህሊ ምህዳር ፖለቲካ ተፈጢሩ ኢሎም።
ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ድማ ሃላላ ኬላ ሓዊሱ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ብፅሬትን ብቕልጣፈን ብምዝዛም ዓቕሚ ኢኮኖሚ ክኾኑ ተገይሩ።
መስሕብ ኢኮ-ቱሪዝም ሃላላ ኬላ ሪዞርት እውን ታሪኽ ብምሕላው ዘበናዊ ጥበብ ህንፀት ዝተሓወሶ ዓብዪ ዓቕሚ ልምዓት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ዳውሮ ዳዊት ገበየሁ ከምዝበሉዎ፤ ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተሃነፀ ሃላላ ኬላ ሪዞርት ዝተሓብአ ታሪኽ ዝቐልዐ መስሕብ ኢዩ።
እቲ ሪዞርት ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ቱሪዝም ንምንቕቓሕን ወርቃዊ ዕድል ብምምፃእ ዓቕሚ እናፈጠረ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ምክትል ኣካቢ ውድብ ግንባር ናፅነት ዓፋር ሓጂ እስማኤል መሓመድ፤ ዝተሃነፁን ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡን ዓበይቲ ፕሮጀክታት ንኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ልዑል እጃም ኣለዎም ኢሎም።
እቲ ሪዞርት ታሪኻዊ ቦታታትን ሓድጊታትን ብምክንኻንን ብምሕላውን ንዝቕፅል ወለዶ ምምሕልላፍ ዕድል ዝፈጠረ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኣብ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ክትል ኣካቢ ክንፊ መናእሰይን ኣብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ፓርቲ ወላይታ ሓላፊ ክንፊ መናእሰይን ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ጥጋቡ ደጀኔ፤ እቲ ሪዞርት ታሪኽን ዘበናዊ ጥበብ ህንፀትን ተኣሳሲሮም ዝተገለፁሉ ዘደንቕ መስሕብ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ክልል ጋምቤላ ምክትል መሪ ኢዜማ ጋትቤል ቦል፥ እቲ ሪዞርት ንልምዓት ቱሪዝም እቲ ከባቢ ልዑል ዓቕሚ ከምዝፈጠረ ምዕዛቦም ኣልዒሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!