ሪዞርት ቃላይ ሎጎ ቱሪዝም ንዝመርሖ ዕቤት ልዑል መሰረት ዘንብር ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሪዞርት ቃላይ ሎጎ ቱሪዝም ንዝመርሖ ዕቤትን ንዘላቒ ውሕስና ናብራን ልዑል መሰረት ዘንብር ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ጎርጎራ ብምቕፃል ውጥን “ገበታ” ካልኣይ ዝኾነ ፕሮጀክት ሪዞርት ቃላይ ሎጎ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ መሪቖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ እቲ ሪዞርት ተፈጥሮኣዊ ፅዋቐ ወሎ፤ ዘበናዊ ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ደረጃኡ ምስ ዝሓለወ መሰረተ ልምዓት ኣጣሚሩ ዝሓዘ ዘደንቕ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም።
እቲ ሪዞርት ነቲ ከባቢ ይኹን ንኢትዮጵያ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምቅልጣፍ ልዑል መንቀሳቐሲ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም እቲ ፕሮጀክት ቀጥተኛን ቀጥተኛ ዘይኮኑን ዕድላት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ኣብ ዓውዲታት ኣገልግሎት ሕርሻ፣ ትራንስፖርት፣ ቱሪዝምን ካልኦትን ልዑል ምንቕቓሕ ከምዝፈጥር ኣገንዚቦም።
እዚ ድማ ነቲ ከባቢ ኣፍረይቲ፣ ንሰብ ሞያ ኢደ ጥበብን ንፈጠርቲ ስራሕን ሓደሽቲ ዕድላት ዕዳጋ ብምምችቻው ቱሪዝም ንዝመርሖ ዕቤትን ንዘላቒ ውሕስና ናብራን ልዑል መሰረት ዘንብር ኢዩ ኢሎም።
‎እቲ ፕሮጀክቱ ‎ብመንፈስ ምድማር ከምዝተሰርሐን መንግስቲ ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓደ መኣዲ ብምስያም ፖሊሲ ናብ ተግባር፣ ኢንቨስትመንት ድማ ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝለወጠ ኣልዒሎም።
ብምትሕብባር ዝተሃነፀ ሪዞርት ንምሕዝነት መንግስቲን ዘፈር ውልቀን (PPP) ከምኡ እውን ንቀፃልነት ፖሊሲ ነዊሕ እዋን ዕቤት መሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ሪዞርት ቃላይ ሎጎ፤ ርህሩህን ቅኑዕን ንዝኾነ ህዝቢ ወሎ ውቁባት ሓድጊታቱ፣ ባህሉ፣ ክብሪታቱን ዘደንቕ ተቐባላይነት ጋሻን ንዓለም ንኸካፍል ዝቐረበ ልዑል እንግዶት ኢዩ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment