ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ሪያል ማድሪድ ምስ ባየርን ሙኒክ ከምኡ እውን ኣርሰናል ምስ ስፖርቲንግ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
15 ግዘ ናይቲ መድረኽ ክብሪ ዝወነነት ሪያል ማድሪድ 6 ግዘ ናይቲ መድረኽ ምስ ዝተዓዋተት ባየርን ሙኒክ ዘራኽብ ፀወታት ልዑል ትኹረት ስሒቡቡ ይርከብ፡፡
ሪያል ማድሪድ ኣብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ 16 ንእንግሊዛዊት ጋንታ ማንቼስተር ሲቲ ብድምር ውፅኢት 5 ን 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ምሕላፋ ይዝከር፡፡
ተጋጣሚታ ባየርን ሙኒክ ብግደኣ ንጣሊያናዊት ጋንታ ኣታላንታ ብድምር ውፅኢት 10 ን 2 ብምስዓር ምሕላፋ ይዝከር፡፡
ክልቲአን ጋንታታት ሕድሐድ ካብ ዝገበረኦም ዝሓፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ሪያል ማድሪድ ክልተ ግዘ እንትትስዕር ባየርን ሙኒክ ሓደ ግዘ ዝረፉ ክልተ ፀወታታት ድማ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡
ኣብ ኩሎም ውድድራት ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋብ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ብማዮርካ ዝተሰዓረት ሪያል ማድሪድ ናብ ዓወት ንምምላስ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ፡፡
መሪሕ ቡንደስሊጋ ጋንታ ባየርን ሙኒክ ብተፀራራሪ ኣብ ኩሎም ውድድራት 12 ፀወታታት ዝዘለቐ ናይ ዘይምስዓር ጉዕዞ ንምቕፃል ከቢድ ንሕንሕ ከምትገብር ትፅቢት ይግበር።
ምሸት ሰዓት 4፡00 ኣብ ስታዲየም ሳንቲያጎ ቤርናባው ዝካየድ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ እንግሊዛዊ ዳኛ ማይክል ኦሊቨር ክመርሑዎ ኢዮም፡፡
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣርሰናል ናብ ፖርቹጋል ብምጉዓዝ ምስ ስፖርቲንግ ሊዝበን ክትገጥም ኢያ፡፡
ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ካብ ውድድር ፅዋዕ ኤፍ ኤ ዝተሰናበተት ኣርሰናል ኣብ ዝተረፉ ክልተ ውድድራት ትገብሮ ጉዕዞ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ቅድሚ ክልተሰ ሙን ከባቢ ንኣርባዕተ ፅዋዕ እናተናሓነሐት ዝነበረትን ካብ ክልተ ፅዋዓት ወፃእ ዝኾነት ኣርሰናል ሕዚ ዝተርፋኣ ውድድራት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝን ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ጥራሕ ኢየን፡፡
ኣርሰናል ኣብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ 16 ጋንታታት ንባየር ሊቨርኩሰን ብድምር ውፅኢት 3 ን 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ እንትትሓልፍል፥ ተጋጣሚታ ስፖርቲንግ ሊዝበን ብግዳኣ ንቦዶ ግሊምት 5 ን 3 ብምስዓር ናብዚ ክትበቅዕ ክኢላ፡፡
ስዊድናዊ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ኣርሰናል ቪክተር ዮኬሬሽ ንነበር ጋንትኡ ብተፃራሪ ክገጥም ኢዩ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ