ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋንታ ሪያል ማድሪድ ንኣሌክሳንደር ኣርኖልድን ከምዘፈረሞ ግልፂ ገይሩ።
ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ኣብዚ ውድድር ዓመት ካብ ሊቨርፑል ንምልቃቕ ምውሳኑ ቅድሚ ሰሙናት ምግላፁ ይዝከር።
ኣብ ሓዱሽ ክለብን ዝተፈለየ ቦታን ንባዕሉ ንምፍታሽ ብምድላዩ ምስ ሊቨርፑል ንምልቃቕ ምውሳኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ገሊፁ ኢዩ።
ናብ ሓዱሽ ጋንታ ምኻዱ፥ ዘለዎ ሙሉእ ዓቕሚ ኣውፂኡ ንምጥቃም ከምዘኽእሎ እውን ተዛሪቡ።