ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋንታ ሪያል ማድሪድ ተፃዋታይ ናይ ማእኸል ክፍሊ ምክልኻል ንዝኾነ ዲን ሁይሰን ካብ ቦርንማውዝ ከምዘፈረመቶ ዕላዊ ገይራ፡፡
እቲ ስፔናዊ ተፃዋታይ ኣብ ዝተዛዘመ ዘበነ ውድድር ኣብ እንግሊዛዊት ጋንታ ቦርንማውዝ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት÷ 32 ናይ ሊግ ፀወታታት ገይሩ ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገበ እንትኸውን፤ ክልተ ንሸቶ ዝኾና ኩዕሾ ኣመዓረሪዩ ኣቐቢሉ፡፡
ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ተኸላኻይ ዲን ሁይሰን ቅድሚ ኣብ ቦርንማውዝ ምፅዋቱ ምስ ጋንታታት ጣሊያን ሮማን ጁቬንቱስን ክፃወት ክኢሉ ነይሩ፡፡
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ፕሬዚዳንት እታ ጋንታ ፍሎረንቲኖ ፔሬዝ ነቲ ሓዱሽ ፈራሚኦም “እንኳዕ ደሓን መፃእኻ” ብምባል ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!