ሪያል ማድሪድ ንዲን ሁይሰን ኣፈሪማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋንታ ሪያል ማድሪድ ተፃዋታይ ናይ ማእኸል ክፍሊ ምክልኻል ንዝኾነ ዲን ሁይሰን ካብ ቦርንማውዝ ከምዘፈረመቶ ዕላዊ ገይራ፡፡

እቲ ስፔናዊ ተፃዋታይ ኣብ ዝተዛዘመ ዘበነ ውድድር ኣብ እንግሊዛዊት ጋንታ ቦርንማውዝ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት÷ 32 ናይ ሊግ ፀወታታት ገይሩ ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገበ እንትኸውን፤ ክልተ ንሸቶ ዝኾና ኩዕሾ ኣመዓረሪዩ ኣቐቢሉ፡፡

ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ተኸላኻይ ዲን ሁይሰን ቅድሚ ኣብ ቦርንማውዝ ምፅዋቱ ምስ ጋንታታት ጣሊያን ሮማን ጁቬንቱስን ክፃወት ክኢሉ ነይሩ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ፕሬዚዳንት እታ ጋንታ ፍሎረንቲኖ ፔሬዝ ነቲ ሓዱሽ ፈራሚኦም “እንኳዕ ደሓን መፃእኻ” ብምባል ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment