ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዘተባብዕ ውፅኢት የመዝግብ ኣሎ ኢለን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል።
ብኣሰናዳእነት ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ጠሚቱ ብዛዕባ ኢትዮጵያ መድረኽ ፓናል ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓምዩቕ ሃፍቲን ፀጋን ብምፍላይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ ኢለን።
ነዚ ድማ ሃገራዊ ፍኖተ ካርታ ተሰናዲኡ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ ማዕድንን ኣይሲቲን ቆላሕታ ከምዝተገበረ ተዛሪበን።
ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዘተባብዕ ውፅኢት የመዝግብ ኣሎ ክብላ ሓቢረንን።
ብኻሊእ መደይ ዓውዲ ወልቀ ከይዲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብዝበለፀ ንምስፋሕ ጠመተ ሂብካ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!