ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንህዝቢ ዓለም ብቅንዕናን ሰናይ ስራሕን ኣገልጊሎም – ፕሬዚዳንት ታዬ አፅቀ ሥላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንዝተገፍዑ ድምፂ፣ መዓልቲ ንዝጎደሎም ኣቦ ብምዃን ንህዝቢ ዓለም ብቅንዕናን ሰናይ ስራሕን ኣገልጊሎም እዮም ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ አፅቀ ሥላሴ ገሊፆም፡፡

ቤተክርስቲያን ካቶሊካዊት ኢትዮጵያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ቅዳሰ መስዋእቲ፣ ስርዓት ፍትሓትን ፊርማ መግለፂ ሓዘንን ናይ ምንባር ስነ ስርዓት ኣብ ካቴድራል ካቶሊክ ልደታ ማርያም ተካይዱ፡፡

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ እዋን÷ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሕልፈት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ፤ ንዝተገፍዑ ተሓላቒ ንኩሎም ፅጉማት ድምፂ ብምዃን ንህዝቢ ዓለም ብቅንዕናን ሰናይ ስራሕን ምግልጋሎም ገሊፆም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment