ርእሰ ምምሕዳር ሽመልስ ኣብዲሳ ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብድምቀት ንኽኽከበር ንዝገብሩ ኣካላት ኣመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብድምቀት ንኽኽከበር እጃሞም ንዘበርከቱ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ኣጋይሽ ብምቕባልን ብምትእንጋድ ንዘርአዩዎ ምትሕብባርን ፍቕሪን ኣመስጊኖም፡፡

ሓጎስ ህዝቢ ኦሮሞ ንምክፋል ኣብቲ በዓል ንዝተረኸቡ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ዕዙዝ ምስጋናይ የቕርብ ኢሎም፡፡

ብተመሳሳሊ እቲ በዓል ብድምቀት ንኽኽበር ዝገበሩ ኣካላት ፀፅታ ከምኡ እውን ባህሉ ንዓለም ንምርኣይ ሓገዝ ንዝገበሩ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

በዓል ኢሬቻ ኣብ ዩኔስኮ ንኽምዝገብ ዝተጀመሩ ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment