ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ዝተፈላለያ ክልላት ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)፥ ኢሬቻ ንፈጣሪ መመስገኒ፣ ፍቕሪን ዕርቂን ዝንፀባረቐሉ፣ ሓጎስ ምትሕብባርን ተሰፋን መጎናፀፊ ከምኡ እውን ክፍኣትን ፅልኢን መሕከሚ ትውፊት ኮይኑ ዘገለግል ክብሪ ኢዩ ኢሎም፡፡
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣወል ኣርባ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፥ ኢሬቻ ብህዝቢ ኦሮሞ ልዑል ቦታ ዝወሃቦ በዓል ሰላም ፍቕሪ ይቅርታን ሓድነትን ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡፡
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ብግደኦም፥ ኢሬቻ ዕርቂ፣ ይቅርታን ሰላምን ዝነግሰሉ፣ ሕውነት ዝጉልብተሉ ከምኡ እውን ህብረ ብሄራዊነት ዝዕምብበሉ ህዝቢ ኦሮሞ ምስ ካልኦት ህዝቢታት ብሓባር ዘኽብሮ ዓብዪ በዓል ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሃሰን፥ ኢሬቻ ሕነትን ሕብረትን ብዝበለፀ ንኽጉልብት ልዑል ግደ እናተፃወተ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ እቲ በዓል ብዝበለፀ ንኽፋለጥን ብግቡእ ተሓሊዩ ንትውልዲ ንኽሰጋገር ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ብግደኦም፥ ስርዓት ምስጋና ኦሮሞ ደሚቑ ዝረኣየሉ እዚ ዓብዪ በዓል እንትነኽብር፥ ዋና ክብሪታት ኢሬቻ ዝኾኑ ሰላም፣ ምሕረትን ሓድነትን ኣጥቢቕካ ምሓዝ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር)፥ ኢሬቻ እዋን ፀልማት ሓሊፉ ናብ ብሩህ እዋን መሰጋገሪ ድልድል ከምዝኾነ ብምሕባር፥ መንፈስ ይቕሬታ እቲ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ብምስፍሕፋሕ ንህንፀት ዘላቒ ሰላም ምጥቃም ይግባእ ኢሎም፡፡
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሀር ብግደኦም፥ ስርዓት ምስጋነና ኦሮሞ ደሚቑ ዝረአየሉ እዚ ዓብዪ በዓል እንትነኽብር፥ ቀንዲ ከብሪ ኢሬቻ ዝኾኑ ሰላም፣ ምሕረትን ሓድነትን ኣጥቢቕካ ምሓዝ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።