ርክብ ኢትዮ-ህንዲ ብስትራቴጂካዊ ሽርክና ኣብ ሓዱሽ ብራኸ  በፂሑ- ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርክብ ኢትዮ-ህንዲ ብስትራቴጂካዊ ሽርክና ኣብ ሓዱሽ ብራኸ  በፂሑ ኢለን ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)።

ቀደማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብዚ ሰሙን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ምክያዶም ይዝከር።

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) እቶም ቀደማይ ሚኒሰተር ዘካየድዎ ዑደት ጠሚተን ምስ ዲዲኢንዲያ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፥ እቲ ዑደት ናይ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ኢዩ ኢለን።

እዚ ድማ እተን ሃገራት ዘለወን ምትሕብባር ልምዓት፣ ሽግግር ቴክኖሎጂን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ሽርክና ክብ ከምዘበሎ ሓቢረን።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዲፕሎማሲያዊ ብዝዘለለ ኣብ ዝምድናታት ታሪክን ባህሊን ዝተደረኸ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ዑደት እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ነቲ ርክብ ናብ ስትራቴጂካዊ ሽርክና ዘማዕበለ ከምዝኾነ ኣረዲአን።

ንጅማሮታት ሓበራዊ ልምዓት ሓደሽቲ ዕድላት ከምዝኸፍት እውን ተዛሪበን።

እቲ ምትሕብባር ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ግብርና፣ ጥዕናን ቴኮኖሎጂን ተጠናኺሩ ከመዝቕፅል ኣረጋጊፀን።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment