ርክብ ኢትዮ-ሩሲያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝወስድ መርሃ ግብሪ ተግባር ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ንምህናፅ ምሽ ኩባንያ ጊሲ ሮሳት ዝተገበረ ስምምዕነት መርሃ ግብሪ ተግባር ርክብ ኢትዮ-ሩሲያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ክወስዶ ኢዩ ኢሎምሉ።

ኣብ ሩሲያ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ምስ ሩሲያ መዘነኦም ሰርጌይ ላቭሮቭ ምስ ተዛተዩ ብሓባር መግለፂ ሂቦም።

ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)ኣብ መግለፂኦም ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያን ሩሲያን ጥንኩር ምሕዝነት ኣለወን።

ኣብ ኢትዮጵያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ ናብ ህንፀት ንምእታው ዘኽእል መርሃ ግብሪ ተግባር ምስ ጂሲ ሮሳት ስምምዕነት ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ስምምዕነት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገረ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ከምዝተዛተዩ ዘዘኻኸሩ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)፤ እቲ ምኽክር ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ እተን ሃገራት ዘጠናኸረ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከምዝዘተዩ ብምግላፅ፤ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ትማሊ ኣብ ሩሲያ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ እቲ ርክብ ከምዘጠናኽር ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ክልቲአን ሃገራት ካሊእ መዛተዪ ኣጀንዳ ንኽህልወን ከምዝገበረ ኣልዒሎም፤ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ዘለወን ምትሕብባር ከምዘጠናኽሩ ኣረጋጊፆም።

ብኣቤል ነዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment