ሰለስቲኦም ኣንፈታት ትኹረት መንግስቲ

መንግስቲ ከየዲ ህንፀፅ ሃገር ንምፅናዕን ኩለመዳያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ኣብ ሰለስተ ዋና ዋና ጉዳያት ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ዲሞክራሲ ምህናፅ፣ ትካላት ምጥንኻን ብጄራዊ ምርድዳእ ምፍጣርን፡፡ እዞም ሰለስተ ዓምዲታት ሃገራዊ ሓድነት፣ ሰላምን ምዕባለን፣ ከምኡ እውን ዜጋታት ኣብ ምትእምማንን ተሓታትነትን ዝተመስረተ ሓበራዊ ራኢ ንኽህሉ ዝገብሩ ቁልፊ መሰረታት ኢዮም፡፡

ዲሞክራሲ ኣብ ምህናፅ ከይዲ ንሓንቲ ሃገር ወሳኒ ተግባር እንትኸውን፤ ብቐንዱ ናፃ፣ ዘይሻራዊን ብቑዓትን ትካላት ኣብ ምጥያሽ ትኹረት ዝገበረ ኢዩ፡፡

እቶም ትካላት ዝመርሑሎም ሕጊታትን ስርዓታት ኣሰራርሓን፣ ኣወዳድባ ትካላት፣ ከምኡ እውን ንህዝቢ ዘለወን ተኣማንነት ምሕላው ኣድላዪ ስለዝኾነ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ፍሉጥ ትኹረት ብመሃብ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ጥንኩር ባህሊ ዲሞክራሲን ስርዓትን ዝህነፅ ጥንኩራት ትካላት ዴሞክራሲ እንትፍጠሩን እንትጠናኸሩን ከምዝኾኑ መንግስ ብፅኑዕ ዝግንዘቦ ጉዳይ ኢዩ፡፡ በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ ከይዲ ህንፀት ትካላት ዲሞክራሲ ኩለመዳይ ሪፎርም እናወገነት ፀኒሓ ኢያ፡፡

መንግስቲ ብፍላይ ትካላዊ ዓቕሚ ብምድንፋዕን ናፅነት ብምርግጋፅን፣ ምህዳር ዲሞክራሲ ክሰፍሕ ንምግባር ትፅቢት ዝግበረሉ ግቡእ ጥራሕ ዘይኮነስ ዲሞክራሲ ዝዕምብበሉ ዘኽእል ባይታን ማዕቐፍን ንምፍጣር ዕላማኡ ገይሩ ኢዩ፡፡

እዚ ኣብ ሸቶ ንምብፃሕ ብፍላይ ትካላት ፀፅታ፣ ፍትሒ፣ ሲቪልን ሚዲያን፣ ከምኡ እውን ብሄራዊ ቦርድ መረፃፃህዝቢ ማእኸል ብምግባር ክሰርሑ መንግስቲ ብቖራፅነት ብምድጋፉ ከም ሃገር ዘይሻራዊ ትካላት ክፍጠሩ ብምግባር ጭቡጣት ውፅኢታት ክምዝገቡ ኣኽኢሉ ኢዩ፡፡

ካሊእ መንግስቲ ብትኹረት እናሰርሐሉ ዝርከብ ጉዳይ ከም ሃገር ብሄራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ኢዩ፡፡

እዚ ከይዲ ቀንዲ ዕላማ ዝገበሮ መላእ ህዝቢ፣ ትካላት፣ ኣመራርሓን ሰራሕተኛን ኣብ ሃገራዊ ራኢ ዝተፈላለዩ ድምፂታት ሓበራዊ ዕቤት ብምህናፅ ሃገራዊ ህልውናን ምዕባለን ንኽረጋገፅ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ምትእምማንን ሃገራዊ ሓድነትን ንኽፍጠር ምግባር ኢዩ፡፡

ብመንፅር እዚ ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት ድምፂ ዝስመዐሉ ባይታ ፖለቲካ ንምፍጣር ብዙሓት መመሓየሺታት ፖለቲካ ገይራ ኢያ፡፡

በዚ ድማ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ መንግስታት ንዝተፈተ ጫፍ ወፂኦም ዝረኣዩ ናይ ተቓርኖ ሓሳባት ንምፅባብን ንምቅርራብን ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ብምጥያሽ፣ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ንኽፍጠር ተገይሩ ኢዩ፡፡

በዚ ድማ ካብ ብሕዚኡ ብዙሓት ለዉጢታት እናተርኣዩ እንትኾኑ፤ እቲ ውሳነ እንምነያ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር እምነ ኹርናዕ ተገይሩ ዝውሰድ ኢዩ፡፡

ብሓፈሻ መንግስቲ ምልኣተ ህዝቢ ብምትሕብባር ጥንኩርን ምዕባለኣ ብደቃ ዘረጋገፀት ኢትዮጵያ ንምፍጣር እናገበሮ ኣብ ዝርከብ ኩለመዳይ ፃዕሪ ዲሞክራሲ ንምህናፅ፣ ትካላት ንምጥንኻርን ብሄራዊ ምርድዳእን ናይ ምፍጣር ጉዳይ ብፍሉይ ትኹረት ዝስረሐሉ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ኮይኑ ክቕፅል ኢዩ፡፡

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment