ሰላምን ድሕንነትን ትካላት ሃይማኖት ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ  ዓንዲ ኢዩ- ተስፋዬ ቤልጅጌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰላምን ድሕንነትን ትካላት ሃይማኖት ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ  ዓንዲ ኢዩ ኢሎም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ ሚኒስትር  ተስፋዬ ቤልጅጌ (ዶ/ር)።

እቶም ሚኒስትር ኣብ መንጎ ሃገረ ስብከት ጎፋን ባስኬቶን  ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ብዕርቀ ሰላም ምዝዛሙ ጠሚቶም ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሰላም ኢዮም ነዚ ዝበሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምንጋስ ዓብዪ ዓቕሚ ዝኾኑ ሃገር ቦቆል ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ምህላዎም ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ፀገማት ብጥበብ ብምፍታሕ ሰላም ንክነግስ ዝተሰርሐ ተግባር ንካልኦት ተመክሮታት ዝውሰድ ኢዩ ኢሎም።

ብመለሰ ታደለ

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment