ሰላምን ድሕንነትን ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ምትሕብባር ሃገራት እዚ ቀጣና ወሳኒ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰላምን ድሕንነትን ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ምትሕብባር ሃገራት እዚ ቀጣና ወሳኒ ኢዩ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ጃፋር በድሩ ተዛሪቦም።

መበል ሳልሳይ ፎረም ቀጣናዊ ጂኦ-ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ፥ “ሃገራት ቀጣና ቀይሕ ባሕርን ኤደን ባህረ ሰላጤን ንምትሕብባር ኢኮኖሚያዊ፣  ድሕንነት፣ እወንታዊ ረኽቢ፣ ብድሆታትን ቀፀልቲ ኣጀንዳታተን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር ጃፋር በድሩ፥ ሰላምን ድሕንነትን ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ምትሕብባር ሃገራት እዚ ቀጣና ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ሰላምን ድሕንነትን እዚ ቀጣና ኣብ ምሕላው፣ ሓበራዊ ተረባሕነት ኣብ ምርግጋፅ ምስ ሃገራት እዚ ቀጣና ብምትሕብባር ትሰርሕ ከምዘላ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment