ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰላም ንህዝቢ ኦሮሞ ቀንዲ ክብሩን መለለዪኡን ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባ ቄለም ወለጋ ፕሮጀክትን መሰረተ ልምዓት መስኖ ቄጦ ኣብ ዝጎብነዩሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ህዝቢ ኦሮሞ ደላዪ ሰላም ምዃኑ ንምርኣይ ደቁ ነጋሳን ነጋሶን ብምባል ይስይም ኢሎም።
እቲ ህዝቢ ሰላም ቀንዲ ክብሩን መለለዪኡን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣፈላላይ ብዘተ ከምዝፈትሕ ንምርኣይ ደቁ ኣራርሳ (መተዓረቂ) ኢሉ ዝሽይም ዘደንቕ ጥበብ ዝተጎናፀፈ ህዝቢ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ዝኾነ ጎንፂ ከጋጥመሉ ዝኽእለሉ ኩነታት ከምዘሎ ብምሕባር፤ እቲ ፀገም ብዝርርብን ብልዝብን ምፍታሕ ጥበብ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ወለጋ ከባቢ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ስእነት ሰላም ኣጋጢሙዎ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዝተጀመረ ልምዓትን ምዕባለን ንኽቕፅል ሰላም ምፅናዕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ኣፈላላያት እንተጋጥሙ እውን ብምኽክር ምፍታሕ የድሊ ኢሎም።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዱር ዝነበሩ ኣሕዋት ድሌቶም ብዘተ ንምዕዋት ናብ ማሕበረሰቦም ክፅምበሩ ከምዝኸኣሉ ናእዳኦም ብምግላፅ፤ ዝተረፉ እውን ብሰላማዊ መገዲ ናብ ሕብረተሰቦም ብምፅምባር ዝተጀመረ ልምዓት ንኽሕግዙ ፃውዒት ኣቅሪቦም፡፡
ኣብቲ ከባቢ ዘሎን ልምዓት ቡንን እንስሳትን ዓሚቕ ዓቕሚ ብግቡእ ንምጥቃም ሰላም ምፅናዕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!