ሰላም ንምፅናዕ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዞባታት ወለጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባታት ወለጋ ዘካየዱዎ ዑደት ሰላም እቲ ከባቢ ምምሕያሹ ዘረጋገፀ ኢዩ ኢሎም ምሁር ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ተሬቻ ባልቻ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባታት ቄለም ወለጋ፣ ምብራቕን ምዕራብን ወለጋ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም።

ኣብ ዑደቶም ድማ ብመርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ዝለምዐ ሕርሻ ባናና፣ ፕሮጀክት መሰረተ ምዓት መስኖ ቄጦ፣ ፕሮጀክት ልምዓት ወርቂ ቱሉ ካፒን ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ኣርጆ ዲዴሳን ተመልኪቶም።

ካብዚ ብተወሳኺ መሕፀቢን መቀነባበሪን እምኒ ፈሓም ኣርጆ ዝመረቑ እንትኾኑ፤ ኣብቶም ዞባታት ዝተወገኑን እናተሰርሑ ዝርከቡን ኣብ ኣግሮ-ኢንደስትሪ፣ ቱሪዝምን ስራሕቲ ስግግር ልምዓት ገፀርን ከምዘተዓዘቡ ይፍለጥ።

ዑደት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመልኪቶም ምስ ፋና ዲጂታል ፃንሒት ዝገበሩ ምሁር ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ተሬቻ ባልቻ፤ እቲ ዑደት ኣብቲ ከባቢ ዝመፅአ ሰላም ዘፅንዕ ኢዩ ኢሎም።

ዞባታት ወለጋ ብዝሰሓሓተ መገዲ ኣቲዮምዎ ብዝነበረ ፀገም ልምዓት እቲ ከባቢ ተጎዲኡ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ሕዚ ብዝመፅአ ሰላም ተስፋ ዝህብ ልምዓት እናተመዝገበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ፎ/ር) ዝገበሩዎ ዑደት እዚ ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዝተርኣየ ልምዓት ፅቡቕ ሽም እቲ ከባቢ ዝመለሰ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብኣያና ዴሬሳ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment